Fana: At a Speed of Life!

ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃኢ ብምቅዋም ሃገራዊ ሓድነት ምሕላው የድሊ-ቅዱስ ሲኖዶስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ መዓልታት ከካይዶ ዝቐነየ ጉባኤ ዛዚሙ።

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዘሳለጦ ጉባኤ፥ ኣብ ምንጋስ ሰላም እታ ቤተክርስቲያን፣ ሃገራዊ ድሕንነት፣ ካብ መረበቶም ብዛዕባ ዝተመዛበሉ ዜጋታት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝረኣዩ ዘይምርድዳኣትን ካልኦት ማሕበራዊን መንፈሳዊን ዛዕባታት ብዝምልከት እውን ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ብፍላይ በቢከባቢኡ ብምኽኒያት ዝተፈጠሩ ጎንፂታት ዝጠፍአ ህይወት ሰብን ንብረትን፣ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ምእመናንን ዝበፅሕ ዘሎ ሞትን ምምዝባልን ብዝምልከት በቲ ኣህጉረ ስብከት ተፃሪዩ ንክቐርብ ብምውሳን መንግስቲ ኣድላዪ ሓለዋ ንክገብር ኣተሓሳሲቡ።

ኢትዮጵያ ብታሪኻ ዶባ ብምኽባር ሓድነታ ሓሊያ ዝነበረት ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበረ መግለፂ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ኣብ ህልውና እዛ ሃገር ዘቕንዐ ኢድ ኣእታውነት ሃገራት ወፃኢ ብምቅዋም ሃገራዊ ሓድነት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምሕላው ይግባእ ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ካብ ድኽነት ንምውፃእ ሓደ ስስድሪ ንቕድሚት ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መርኣያ ሓድነት እቲ ግድብ ፍፃመ ህንፀቱ ብምቅልጣፍ ካብ ፀልማት ንምውፃእ መላእ ኢትዮጵያውያን ንክተሓባበሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መላእ ዜጋ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስታፍ ግድኡ ንክዋፃእ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ብዝተለመደ ኢትዮጵያውነት ብምትሕስሳብ ኩለ መዳይ ሓገዝ ንክግበረሎም ፃውዒት ቀሪቡ።

ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ “ጨዋነት” ዝምስከረሉ ምርጫ ንክኸውን ፃውዒት ሰላም ኣቕሪቡ።

ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ካብ 14 ሰነ ክሳብ 4 ሓምለ ኣብ መላእ ሃገርን ወፃኢን ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ፀሎትን ምህልላን ንክግበር ውሳነ ብምትሕልላፍ ዓመታዊ ጉባኤኡ ዛዚሙ።

ብማህሌት ተኽለብርሃን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.