Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዳሜራን መስቀልን ብሰላም ንኽዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ በዓል ዳሜራን መስቀልን ብሰላም ንኽዛዘም እኹል ምድላው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተውፃፅኡ ወለንታውያን ኣባላት ሰራዊት ሰላም ብምትሕብባር በዓል መስቀልን ዳሜራን ብሰላም ንምዝዛም ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተመያይጡ።

ዋና ዳይሬክተር ማሕበረሰብ ሓቆፍ ፖሊስ እቲ ኮሚሽን ሓጋዚ ኮሚሽነር ፋሲካ ፋንታ÷ በዓል ዳሜራ መስቀል ብሰላም ንኽዛዘም ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት እታ ከተማ ዝተውፃእፅኡ ወለንታውያን ኣባላት ሰራዊት ሰላም ብምውዳብ እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣባላት ሰራዊት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እውን በዓል መስቀልን ዳሜራን ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ንኽኽዝም ሙሉእ ምድላው ከምዝዛመ ሓጋዚ ኮሚሽነር ፋሲካ ፋንታ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን ኣይተ ከበደ ለገሰ ብግደኦም÷ በዓል መስቀል፣ ዳሜራን ኢሬቻን ብሰላም ንኽዛዘሙ ነቶም በዓላት ዝምጥን ምድላው ፀፅታ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.