Fana: At a Speed of Life!

ብለውጢ ንብረት ኣየር ግዳይ ንዝኾና ሃገራት መከሓሓሲ ዝኸውን ፍሉይ ፈንድ ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ዝማዕበላ ሃገራት ብዝለቀኦ ካርበን ዝበፅሕ ብኽለት ጉድኣት ንዝበፅሐን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት መከሓሓሲ ዝኸውን ፍሉይ ፈንድ ንኽጣየሽ ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት ውሳነ ኣሕሊፉ።

ኣብ ግብፂ ሻርም ኤል-ሼክ እናተኻየደ ዝፀንሐ ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር (COP-27) ‘ኪሳራን ጉድኣትን’ ዝተሰየመ ፍሉይ መከሓሓሲ ፈንድ ንኽጣየሽ ብምፅዳቕ ከምዝተዛዘመ ቲ ኣር ቲ ወርልድ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ፍሉይ ፈንድ÷ ዝማዕበላ ሃገራት ብዝለቀኦ ካርበን ምኽንያት ዝበፅሕ ወሰኽ ዋዒ ኣብ ልዕሊ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ዘብፀሖ ኣሉታዊ ፅዕንቶ መከሓሓሲ ዝኸውን ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.