Fana: At a Speed of Life!

ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ኣውሮፕላን ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ዝሰርታ “ሲ 919” ዝዓይነታ ኣውሮፕላን ተጓዓዝቲ ድሕሪ ፈተነ ትማሊ ፈላማይ ስሩዕ በረራኣ ብዓወት ኣሳሊጣ።

እታ ኣውሮፕላን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 26 ታሕሳስ 2022 ፈተነ በረራ 100 ሰዓታት ምግባር ብምዝኽኻር ሲጂቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

ንብረትነታ ናይ መገዲ ኣየር ምብራቓዊ ቻይና ዝኾነት እታ ኣውሮፕላን÷ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሻንጋይ ሆንግኪያኦ ተላዒላ ናብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ናንቻንግ ቻንቤይ ዝገበረቶ በረራ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ።

እታ ኣውሮፕላን ብኮርፖሬሽን መፍረዪ ንግዲ ኣውሮፕላን ቻይና ከምዝተሰርሐት ተገሊፁ፡፡

ምምሕዳር ሲቪል አቪዬሽን ቻይና÷ መገዲ ኣየር ምብራቓዊ ቻይና እታ ዓባይ ኣውሮፕላን ብዓወት ምብራር ምኽኣላ ምርመራ ድሕሪ ምግባር፤ ፍቓድ ስራሕ ከምዝህቦ ዳይሬክተር መእዘዚ ፍርያት እቲ መገዲ ኣየር ው ጂንጁን ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.