Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጅቡቲን ኣብ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ዓቢይ ዘለወን ምትእስሳር ናብ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ከዕብየኦ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብባህሊ፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ዓቢይ ምትእስሳር ዘለወን ኢትዮጵያን ጅቡቲን ናብ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ከዕብየኦ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ኣብ ብሄራዊ ቤት ምኅሪ ጅቡቲ ተረኺበን መደረ ኣስሚዐን።

ኣብቲ ቤት ምኽሪ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይነን ዝተረኸባ እተን ፕሬዚዳንት፥ ምትእስሳር ባህሊ፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ብዛዕባ ዘለዎ ፍሉይ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዝምልከት መብርሂ ሂበን።

እዚ ዓቢዩ ዕድል ናብ ኢኮኖሚያዊ ውህደት ብምጥቃም ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲበን።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ መሓመድ ዓሊ ሆሜድ ብግደኦም፥ ሃገሮም ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ንምዃን ሰዓት ከመዘይተጥፍእ ገሊፆም።

ኣብቲ ኣኼባ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፣ ኣማባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋየ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሰኛታት፣ ተወከልቲ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላትን ሰብ መዚ እቲ ከባቢን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዋናቤት ዕዮ ኢጋድ ተረኺበን መደረ ኣስሚዐን።

ኣብቲ እዋ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ሚነስትር ጉዳያት ወፃኢ ጅቡቲ መሓመድ ዓሊ የሱፍን ሚኒስትር ትራንስፖርት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስን ተረኺቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.