Fana: At a Speed of Life!

ኣባ ገዳ ከረዩ ብሸኔ ከምዝተቐተሉ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባ ገዳ ከረዩ ከድር ሃዋስ ቦሩ ብግብረ ራዕዲ ሸኔ ከምዝተቐተሉ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ኣባ ገዳ ከረዩ ብዝፈፀሞ ዘስካሕኽሕ ቅትለት፥ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያ ዝተሰመዖ ሓዘን ምግላፁ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ በቢመዓልቱ ንንፁሃን ብዘስካሕኽሕ ኩነታት እናቐተለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዘለዎ ጭካነ እናረጋገፀ ይርከብ እውን ኢሉ፡፡

ሸኔ ሽማግለታት፣ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ስንቄታት እናቐተለ ክብሪ እናስአነ ከምዝኾነ እቲ ቢሮ ገሊፁ፡፡

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ዞባ ጉጂ ብማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዝፍተዉን ዝኽበሩን ዓቢዪ ዓዲ ሓጂ ዑመር ዋጫሌ ብዘስካኽሕ ኩነታት ብምቕታል ጭካንኡ ኣርኢዩ ኢዩ ኢሉ፡፡

ህዝቢ እቲ ክልል ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ነቲ ተለኣኣኺን ህዝቢ ኦሮሞ ንምውራድ ቀትሪን ለይቲን ዝሰርሕን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምድምሳስ ሓገዝ ንኽብር እቲ መግለፂ ፀዊዑ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.