Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ቃላይ ጫሞ 8 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ዝበረት ጃልባ ጥሒላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ኣልፉጮ ኣቡሎ ናብ ከተማ ኣርባምጭ ሸሞንተ ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ዝነበረት ጃልባ ከምዝጠሓለት ፖሊስ ክልል ደቡብ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ክፍሊ ሚዲያ ፖሊስ እቲ ክልል ምክትል ኮማንደር ታጁ ነጋሽ፥ እታ ጃልባ ሸሞንተ ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ከምዝነበረት ኣረጋጊፆም።

በገሲ እቲ ሓደጋ ልዕሊ መጠን ብምፅዓንን ብዘይተለመደ ኩነታት ዘጋጠመ ማዕበልን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እታ ጃልባ ካብ ሸሞንተ ሰባት ብተወሳኺ ባናናን ኣቑሑትን ፅዒና ከምዝነበረት እውን ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ምክትል ኮማንደር ደግፌ ደበላ ገሊፆም።

ስራሕቲ መድሕን ህይወት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝገለፁ እቶም ኣዛዚ፥ ዝተፈላለያ ጀላቡን ሓመስቲን ኣብ ኣለሻ ከምዝርከቡ ኣረጋጊፆም።

“ብዝተሳለጠ ኣለሻ ካብ ጫማታትን ዝተፈላለዩ ክዳውንቲን ወፃእ ዝተረኸበ ነገር የለን” ኢሎም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.