Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ባህርዳር፣ ክልላት ጋምቤላን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ባህርዳር፣ ክልላት ጋምቤላን ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ እናሰርሑ ምዃኖም ገሊፆም።

እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ናብቶም ካባቢታት ዝመፅኡ በፃሕቲ ቆፅሮም እናወሰኸ ይርከብ፡፡

ሓላፊ መምርሒ ባህሊን ቱሪዝምን ከተማ ባህርዳር ጋሻው እንዳለው ከምዝገለፁዎ፥ ቅድም ክብል ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ዝተሰርሐሎም መስሕባት ንበፃሕቲ ምቹው ኣገልግሎት እናሃቡ ይርከቡ፡፡

ካልኦት መስሕባት እዋን እውን ብቐሊሉ ንበፃሕቲ ምቹዋት ንምግባር ናብ መንጫዕጫዕታ ጢስ ኣባይን ግዘ ዝወስዱ መገዲታትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መባፅሕቲ ኣድላዪ መሰረተ ልምዓታት እናተሃነፁሎም ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ሓላፊ ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ጋምቤላ ኦባንግ ኦቻላ፥ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብዙሓት ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን መስሕባት ፕሮፋይል ከምዝተሰናደአሎም ተዛሪቦም።

ገሊኦም ንበፃሕቲ ምቹዋት ኮይኖም ንኽለምዑ እናተገበረ ከምዝኾነን ዝተረፉ ንምልማዕ መንግስቲ እቲ ክልል እናሰርሐ ከምዝርከብን ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ቢሮ ልምዓት ባህሊን ቱሪዝምን ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ሽመልስ እንድሬ ብግደኦም፥ ብሄራዊ ፓርክ ቢጀሚዝ ብቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣፍልጦ ምርካቡ፤ ብሄራዊ ፓርክ ማኦ-ኮሞን ሕፁይ ብሄራዊ ፓርክ ካማሽ ኣብ መፅናዕቲ ከምዝኾኑን ሓሮም፡፡

ቤተ መንግስቲ መሓመድ ባንጃው ትሕዝትኡ ሓሊዩ ክፅገን ምስ በዓል መዚ ሓለዋ ሓድጊ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቦታታት መስሕብ ብመሰረተ ልምዓት መገዲ ብምትእስሳርን ብቐሊሉ ንበፃሕቲ ምቹዋት ብምግባርን ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ንምዕባይ እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ገሊፆም።

ብዮሃንስ ደርበው

#Ethiopia

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.