Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ዳግም ስራሕ ንኽጅምራ ኣድላዪ ምድላው ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ዩኒቨርሲቲታት ዳግም ስራሕ ንኽጅምራ ኣድላዪ ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን ኣመለወርቅ ህዝቅኤል ከምዝገለፀኦ÷ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዳግም ስራሕ ንኽጅምራ ብምውዳድ ይስራሕ ኣሎ፡፡

ብመሰረት እዚ÷ ፈላማይ ጉጅለ ሰብ ሞያን ቀፂሉ ድማ ሓሙሽተ ኣመራርሓ ዘለዉዎን ጉጅለን ኣብቲ ክልል ዝርከባ ትካላት ትምህርቲ ናብቲ ቦታ ብምዃድ ዳህሳስ መፅናዕቲ ምግባሩ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ልኡኽ÷ ምስ ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ራያን ብቕልጡፍ ስራሕ ንምጅማር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝዘተየ ገሊፀን፡፡

ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፣ ኣኽሱም፣ ዓዲግራትን ራያን ዝርከቡሉ ሓፈሻዊ ኩነታት ዝገልፅ ዳህሳስ መፅናዕቲ ብኣመራርሓን ኣባላትን እተን ዩኒቨርሲቲታት ቀሪቡ ልዝብ ከምዝተገበረ ተዛሪበን፡፡

በቲ ሚኒስቴር ዝተጣየሸ ዓብዪ ኮሚቴ÷ እተን ዩኒቨርሲቲታት ናብ ዝነበረኦ ክሳብ ዝምለሳ ዘቋርፅ ክትትልን ድጋፍ ከምዝገብር ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እውን እተን ፈፃሚት ስራሕ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፀን፡፡

ዩኒቨርሲቲታ ምስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ብሓባር ትልሚ ብምሕንፃፅ ኣብ ቀፃሊ ናብ ስራሕ ዝኣተዋሉ ኩነታት ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ እውን ኣረጋጊፀን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.