Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝገብሮ ሓገዝ ክቕፅል ኢየ – ፋኦ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ ምስ ተወካሊ ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚሞድዚ ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ግርማ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ፋኦ ዓውዲ ሕርሻ ንምሕጋዝ ዘለዎ ቆራፅነት ንኢዶም።

ሓገዝ ኣብ ዝድልዩ ዛዕባታት ዝምልከት መብርሂ እውን ሂቦም፡፡

ተወካሊ ፋኦ ኣብ ኢትዮጵያ ፋራይ ዚሞድዚ ብግደኦም÷ እቲ ትካል ዓውዲ ሕርሻ ንምሕጋዝ ምስ ሚኒስቴር ሕርሻ ዘሳልጦም ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ፋኦ÷ ብፍላይ ምስ ለውጢ ንብረት ኣየር ዝተተሓሓዘ፣ ኣብ ልምዓት ዝራእቲን ፍርያት እንስሳን፤ ምስ ሚኒሰስቴር ሕርሻ ብቖራፅነት ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.