Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ገዛ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ጦር መኮንናት ብዝተገበረ ብርበራ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ክተሓዙ ዘይግበኦም መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ገዛ ብገበን ክሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ ጦር መኮንናት ብዝተገበረ ብርበራ ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ክተሓዙ ዘይግበኦም መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም።

ከሓዲ ጉጅለ ህወሓት ከም ሃገር ናዕቢን ጎንፂን ንምብፃሕ ሓሲቦም ነዊሕ ዓማውቲ ብምድላው መጥቃዕቲ ምብፃሕ ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ ብዝተገበረ ፍተሸን ብርበራን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ምስ ሚኒሰስቴር ምክልኻል ሃገር ብምትሕብባር ኣብ ገዛ ብሃገር ክሕደት ተጠርጢሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ጦር መኮንናት ብዝተገበረ ፍተሸ ልዑል ጉድኣትን ክሳራን ከብፅሑ ዝኽእሉ መሳርሒታት ኲናት፣ መነፅራት ዓውደ ኲናት፣ ጂፒኤስ፣ ብሳትላይት ዝሰርሑ ስልኪታት፣ ቦንባታት፣ ክላሽን ኮቭ፣ ብሬን፣ ንመፈፀሚ እኩይ ተግባር ዝውዕሉ፣ ዝተቐየረ መለለዪ ክዳን ሰራዊትን ካልኦት ብውልቀ ሰባት ክተሓዙ ዘይግበኦም መሳርሒታት ክተሓዙ ከምዝኸኣሉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ፍተሻ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ከተማታትን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ዝተትሓዙ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገርን ራዕዲ ንምፍጣርን ሃገር ንምንጋዕን ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ምስ ተለኣኣኺኡ ኦነግ ሸኔ ክጥቀሙሉ ዝነበረ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ኣብ ሚኒስቴር ምክልኻል ላዕለዎት ኣመራርሓታት ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ካብቲ ትካል ናብ ኢድ ውልቀ ሰባት ክኣትዉ ዘይግበኦም መሳርሒታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንተዘይወቅዕሉ ነይሮም ልዑል ቀውሲ ከስዕቡ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ብዝተገበረ ብርበራን ሕብረተሰብ ብዝሃቦ ሓበሬታን ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ኣብ ቢሮ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.