Fana: At a Speed of Life!

ክብሪታት ሰላም ንምህናፅ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ኣነ ሓላዊ ሓፍተይ ኢየ“ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር እናተኸበረ ዝፀንሐዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዓ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ÷ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተሳለጡ ምንቅስቓሳት ማሕብረሰብ ሓቆፍ ስራሕቲ ምንቅስቓሳት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ተጠቃዓይነት ምክልኻል ተኻኢሉ።

ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ እዋናት ዘጋጠማ ሰብ ስራሕ ፀገማት ንምድሓንን ባህሊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ክቕፅል ንምግባር ዝስረሐሉ እዋን ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ዝተፈላለዩ መድረኽ ዘተ ፓናላት ብምክያድን ኣብ ጉዳይ ሰላም ግንዛበ ብምፍጣር፣ በቢብርኩ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ገሊፀን፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ፥ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ብምስታፍ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ እናሰርሐ ምፅንሑ እውን እተን ሚኒስትር ኣዘኻኺረን፡፡

ኣብ ክልል ዓፋር ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪት ማሕበራዊ ክላሰተር ኣሚና ሴኮ ብግደአን፥ ክብሪታት ሰላም ንምህናፅ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዕዙዝ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝረኸብናዮ ሓበሩታ የረድእ።

#Ethiopia #woman #womansdaycelebration

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.