Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ኮሚሽነር ጉዳያት ውሽጢ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ምስ ኮሚሽነር ጉዳያት ውሽጢ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ይልቫ ጆሐንሰን ተዛትየን።

ወይዘሮ ሙፈሪያት ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ኩለመዳይ ለውጢ ነተን ኮሚሽነር ገለፃ ዝገበራለን እንትኾና፥ ሕብረት ኣውሮፓ እቲ ለውጢ ብምሕጋዝን ብምብርትታዕን ዘርአዮ ምሕዝነት እውን ኣድኒቐን።

ርክብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ሃገራት ዝተመርኮዘ ብምዃኑ፥ እቲ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ምሕታተን ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰላም ንኸዓስል ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ እውን መብርሂ ሂበን ኢየን።

ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ስደት ዘስዕቦም ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ፀገማት ብዝምልከት እውን ዝተዛተያ እንትኾና፥ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ንምንካይ እትኽተሎ ኣንፈት ኣመልኪተን ነተን ኮሚሽነር ገለፃ ገይረናለን።

ኮሚሽነር ይልቫ ጆሐንሰን ብግደአን፥ ስደደት ሙሉእ ብሙሉእ ክቐሪ ምግባር ዋላኳ እንተዘይተኽኣለ ብሕብረት እንተተሰሪሑ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዝፈጥሮ ዘሎ ምሕበራዊ ፅዕንቶ ምንካይ ከምዝከኣል ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.