Fana: At a Speed of Life!

ጣና ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ዕድል ፈጢሩ ኢዩ – ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉባኤ ጣና ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ገሊፆም።

ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ÷ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ጉዳያት ፀፅታ ኣፍሪካ ዝዝቲ ፎረም ጣና ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ጉባኤ ጣና ፎረም ካብ ዝጣየሽ 10ይ ዓመቱ ከምዘቑፀረ ብምሕባር÷ ኣብ ዝቕፅ ጉባኤ ጉዳያት ፀፅታ ኣፍሪካ ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓሳባት ዝለዓሉሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቲ መድረኽ ኣብ ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ዝቀራረቡ ሓሳባት ዘለዎ መዳርግቲ ኣካላት ግልፂን ተኣማኒን ብዝኾ መገዲ ዝዛተዩሉ ብምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣብሪሆም፡፡

“ኣብ ኣፍሪካ ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ለውጢ ንብረት ኣየርን ልዑል ማሕለኻ እናኾኑ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዝካየድ ኢዩ” እውን ኢሎም፡፡

እቲ ፎረም ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዝረኣዩ ፀገማት ፀፅታ ንምፍታሕ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ብምቕራብ ዘላቒን ዝተረጋገአን ሰላም ንምዕሳል ዝዓለመ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ ፎረም÷ መራሕቲ ሃገራት ሓዊሱ ልዕሊ 300 ኣጋይሽ ከምዝሳረፉ ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.