Fana: At a Speed of Life!

ሃድያ ሆሳእና ተዓዋቲት ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ብምስዓር ተዓዋቲት መበል 17 ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና።

ሃድያ ሆሳእናን ኢትዮጵያ ቡናን ዘራኸበ ፀወታ ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ÷ ኣብ ስሩዕ ሰዓት 2 ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን ብዝተውሃበ መፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ሃዲያ ሆሳእና 5 ን 4 ስዒራ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጋባዚት ዝነበረት ጋንታ ሃድያ ሆሳዕና ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ተዓዋቲት እቲ ፅዋዕ ክትከውን ክኢላ፡፡

ተዓዋቲት ሃዲያ ሆሳእና እቲ ፅዋዕ ካብ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ጂራ ከምዝተረከበት ካብ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.