Fana: At a Speed of Life!

ሃገር ለኸ መድረኽ ሰላም መናእሰይ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዙሪያ ትኹረት ዝገበረ ሃገር ለኸ መድረኽ ሰላም መናእሰይ ይሳለጥ ኣሎ።

“መንእሰይነተይ ንኢትዮጵያይ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ እቲ መድረኽ፤ ካብ መላእ ክፋላት ሃገር ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ መናእሰይ ይሳተፉ ኣለዉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ወይዘሮ ህይወት ሃይሉ፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ዝኣተወትሉ ፀገም ንኽትወፅእ ግደ መናእሰይ ዕዙዝ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብፍላይ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ዘብፀሖ ክሕደትን ጥፍኣትን፤ መናእሰይ ካብ ምኹናን ሓሊፉ በቢኸባቢኦም ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብሉ ይግባእ ኢለን።

ብተወሳኺ መናእሰይ መንግስቲ ዝጀመሮ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ክሳብ መወዳእታ ንምብፃሕ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግበኦም እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣተሓሳሲበን።

ስእነት ሰላም ኣብዛ ሃገር ከብፀሖ ዝኽእል ፅዕንቶ ካብ ታሪኽ ብምምሃር ንዝሐሸ ለውጢ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ መንእሰይ ኤርሚያስ ማቴዎስ ብግድኡ፥ ኢትዮጵያ ንህንፀት ዴሞክራሲን ሰላምን ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ብእኩይ ተግባር ውሑዳት ጉጅለታት ሞት፣ ምምዝባልን ስደትን ዜጋታት ከምዘስዓበ ተዛሪቡ።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተፈፀመ መነወሪ ተግባር መናእሰይ ኢትዮጵያ ምኹናኖም ገሊፁ።

ምኹናን ጥራሕ ዘይኮነ ግን ጥፍኣት ንዘብፅሑ ኣካላት ኩሉ መንእሰይ ናብ ሕጊ ኣሕሊፉ ኣብ መሃብ ክሰርሕ ይግባእ ኢሉ።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.