Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ልምዓትን ርዳእታ ኣወሊያ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ ) ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ዲስትሪክት ምዕራብ ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ኣብ ማእኸል ልምዓትን ርዳእታ ኣወሊያ ተኸላ ፈልሲ ኣሳሊጡ።

ኣበቲ መርሃ ግብሪ 1000 ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንገ እዚኣቶም ድማ እቶም 60 ሚኢታዊ ንግልጋሎት ምግቢ ዝውዕሉ ኢዮም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮ ቴሌኮም ዲስትሪክት ምዕራብ ኣዲስ ኣበባን ሰራሕተኛታትትን ኣብቲ ስነስርዓት ተኸላ ፈልሲ ተሳቲፎም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ፕሬዚዳንት እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር እድሪስ፥ ኩሉ ሕብረተሰብ ኣብዚ ሳናይ ተግባር ክረባረብ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ቀዳዳማይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ አትዮጵያ ብዓወት ምዝዛማ ኣመልኪቶም ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብተወሳኺ እዋኑ ፈታኒ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ንባዕሉ ካብ ቫይረስ ኮሮና ክከላኸል ፀዊዖም።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ተኸላ ፈልሲ ዝተኻየደሉ ማእኸል ልምዓትን ርዳእታ ኣወሊያ፥ 68 ዓመት ዘቑፀረን ብትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ዘኻትም ህፃናት ብምዕባይ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ዝተዋፈረን ትካል ኢዩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.