Fana: At a Speed of Life!

ልዕሊ 177 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ 177 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም።

እቶም ኣቁሑት ኮንትሮባንድ እናዘዋወሩ ዝተረኸቡ ትሽዓተ ውልቀ ሰባትን 12 ተሸከርከርቲን እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም፡፡

ካብ 1 ክሳብ 7 መጋቢት 2015 ዓ.ም ብዝተገበረ ክትትል 128 ነጥቢ 5 ሚሊየን ኣተውቲ ኣቑሑት ኮንትሮባንድን 48 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ወፃእቲን ብድምር ልዕሊ 177 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ዘውፅኡ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ብዝተፈላለዩ ጨንፈር ቤት ፅሕፈታት ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩኽ ገሊፁ፡፡

ካብ ሞንጎ ዝተትዙ ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ክዳውንቲ፣ ነዳዲ፣ እንስሳት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቡን፣ መድሓኒት፣ ተሽከርካርቲ፣ ኣቑሑት ፅባቐን ጦር መሳርሒታትን፣ ጫት፣ መዕወኒ ሓሺሽ፣ ዘይቲ ብልዒን ናይ ዝተፈላለያሃገራት ገንዘብን ከምዝርከቡዎም ካብ ኮሚሽን ጉምሩኽ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.