Fana: At a Speed of Life!

ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ላሊበላ ንኽልተ መዓልቲ እናተሳለጠ ዝፀንሐ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣቢያተ ምኽሪ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተዛዚሙ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ስትራቴጂክ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መርጋ ግብሪ ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣድሂቡ ልዝብ ተኻይዱ።

ኣብቶም ዝቐረቡ ሰነዳት ክውሰኹ ዝግበኦምን ድጋሚ ክረአዩ ዘለዎምን ጉዳያት ካብ ተሳተፍቲ እታወት ተኣኪቡ።

ኣብ ኣተገባብራ ኣዋጅ ርክብ መንግስታት ግንዛበ ንምፍጣርን ሓበራዊ ንምግባርን ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት እውን ተዛቲዮም።

ኣብ እዚኦምን ካልኦት ተግባራት ኣቢያተ ምኽሪን ዝምልከት ልዝብ እውን ዝተገበረ እንትኸውን፥ ሓድነት ህዝቢ ንምጥንኻርን ዜጋታት ብናፅነት ዝነብሩላ ጋህዲ ንምግባር ዝተዋደደ ፃዕሪ ከምዘድሊ ብስፍሓት ተላዒሉ።

ምስ መሰረተ ልምዓት፣ ፍትሓዊ ተረባሕነት፣ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል፣ ምርግጋፅ ማዕርነት ሕዚ እውን ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ዴሞክራሲያዊን ናፃን ኮይኑ ንኽዛዘም፥ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ መንግስቲ፣ ኣካላት ፀፅታን ካልኦት ተዋሳእቲን ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡሎም።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህ፥ ኣብቲ መድረኽ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝተበፅሐሎም ጉዳያት ከከምክልላት ጭቡጥ ኩነታት ክሳብ ታሕተዋይ ውዳበ ተግባራዊ ንኽግበሩ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ እዚኦምን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያትን ብምዝታይ ሎሚ መዓልቲ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ቀፃሊ መድረኽ ድማ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ክካየድ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.