Fana: At a Speed of Life!

ሓይሊ ፀፅታን ህዝቢን ተዋዲዶም ብምስረሖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሓሰበ ሽርሒ ከምዝፈሸለ ዶ/ር ቀነኣ ያደታ ገሊፆም።

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ፀፅታን ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተዋዲዶም ብሓደ ብምስራሖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሃቂኑ ዝነበረ ሽርሒ ጥፍኣት ከምዝፈሸለ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥፅታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ገሊፆም።

ዶክተር ቀነኣ ኣብ ፋና ቴሌቪዥን መደብ “ስለ ኢትዮጵያ” ቀሪቦም ከም ዝተዛረብዎ÷ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓይልታት ጥፍኣት  ክጥቀምሉ ዝነበረ መሳርሕታት ኵናት ብጥምረት ሓይልታት ፀፅታን ህዝብን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዊዒሉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ድማ ቦምባታት፣ ተቐፃፀልቲ ፈንጂታት፣ መነፅር ዓውዲ ኵናት፣ ብብርኪ ውለቀ ሰብ ዘይፍቀዱ መራኸብቲ ሬዲዮታት፣ ብርክት ዝበሉ  ወታደራዊ ክዳውንቲ፣ ገንዘባት፣ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ካልኦት ሃገራት  ሲም ካርድታትን ካልኦት መሰል ናውቲታትን ከምዝተትሓዙ ገሊፆም።

ሰላማዊ ዜጋታትን ሓይልታት ጥፍኣትን ንምፍላይ ግዚያዊ መለለይ መንነት ብጥንቃቐ ተዋዊቡ ኣሎ ዝበሉ እቶም ሓላፊ÷ ካብ ዝተመዝገቡ መሳርሕታት ኵናት 43 ሚኢታዊ ዘይሕጋዊን ንዕላመ ግብረ ራዕዲ ክውዕሉ ዝነበሩን ምዃኖም ወሲኾም ሓቢሮም።

ካብ ህዝብን ሓይልታት ፀፅታን ጥምረት ብተወሳኺ ትካላት ፀፅታ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያ ተዋዲዶም ምስረሖም፤ ብሓይልታት ጥፍኣት ዝተተለመ ሽርሒ ክፍሽል ከምዝኸኣለን እታ ከተማ ሰላማ ሓሊያ ንክትቕፅል ምግባሩን ዶክተርር ቀንኣ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.