Fana: At a Speed of Life!

ሓደ ቱርካዊ ን11 ሺሕን 196 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ቱርካዊ ሓላፊ ማንዛዊ ባጤራን (ክሪፕቶካረንሲ) ክልተ ኣሕዋቱን ንኣውፈርቲ ሚልየናት ዶላር ብምትላሎም ነፍሲ ወከፎም ን11 ሺሕን 196 ዓመታት ክእሰሩ ከምዝተፈረዶም ተገሊፁ።

ወዲ 29 ዓመት ፋሩክ ፋቲህ ኦዘር ኣብ 2021 እቲ ‘ቶዴክስ’ ዝተሰመየ ናይ ሸርፊ ንጥፈታቱ ሃንደበት ክስራን ምስ ኣጋጠሞ ናብ ኣልባንያ ሃዲሙ ኔሩ።

ንሱ ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ቱርኪ ተመሓላሊፉ ክዋሃብ እንከሎ ብሕፅቦ ገንዘብ፣ ምትላልን ዝተወደበ ገበናትን ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ።

ኦዘር ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፥ ዕላማኡ ንገበን ኔሩ እንተዝኸውን “ብኸምዚ ተልመዴናዊ ኣገባብ ኣይምሓዝክዎን” ምባሉ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ኣናዶሉ ፀብፂባ።

“ኣነ ኣብ ምድሪ ንዝርከብ ዝኾነ ትካል ክመርሕ ዝኽእል በሊሕ እየ፤ እዚ ኣብቲ ወዲ 22 ዓመት እንከለኹ ዝመስረትክዎ ትካል ምርኣይ ይከኣል” ምባሉ እውን ተገሊፁ።

እቲ መጋባእያ ሓፍቱ ሴራፕን ሓው ጉቨንን እውን ብተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛታት ኮይኖም ረኺብዎም።

እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ልዕሊ 2027 ግዳያት በብመገዶም ብዝፈጸምዎ ብርክት ዝበለ ገበናት ብይን ከመዝተውሃቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.