Fana: At a Speed of Life!

ሕበረት ኣፍሪካ ንጋቦን ካብ ተሳትፎ ኣባልነት ኣጊዱዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕበረት ኣፍሪካ ኣብ ጋቦን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ነታ ሃገር ካብ ተሳትፎ ኣባልነት ከምዝኣገዳ ኣፍሊጡ።

ወታደራዊ ኣመራርሓ ጋቦን ኣብዚ ሰሙን ስልጣን መንግስቲ ከምዝተቖፃፀሩ ዕላዊ ምግባሮም ይፍለጥ፡፡

ቤት ፅሕፈት ሰላም ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ጦር ጋቦን ኣብ ልዕሊ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ኣሊ ቦንጎ ዝገበሮ ዕልዋ መንግስቲ ኮኒኑ፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሊ ቦንጎ በ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ 64 ነጥቢ 27 ሚኢታዊ ድምፂ ብምርካብ ንሳልሳይ ዘበነ ስልጣን ከምዝተመረፁ ዕላዊ ተገይሩ ነይሩ፡፡

እቲ ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ድማ ሕብረት ኣፍሪካ ንጋቦን ካብ ዝኾነ ይኹን ተሳትፎ ኣባልነት ከምዝኣገዳ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.