Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ግድነት ኣለዎ-ጉባኤ መማክርር ምሁራን ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ግድነት ኣለዎ ክብል ጉባኤ መማክርር ምሁራን ኣምሓራ ገሊፁ።

እቲ መማክርት ጉባኤ ዝፍፀሙ ዘለዉ ተኸታተልቲን ዝተዋደዱን መጥቃዕቲታት ብፅኑዕ ብምውጋዝ፥ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ብዝበፅሐ ጉድኣት ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊፁ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይኹን ፌዴራል ኣብቲ ተግባር ብቐጥታ ተሳተፍቲ ዝኺኑን ኣቀነነባበርቲ እቲ መጥቃዕቲን ግቡእ ስጉምቲ ንክወስድ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ሰሜን ሸዋ ብፍላይ ኣጣዬ ፣ ካራ ቆሪ፣ ሸዋ ሮቢት፣ ማጀቴ፣ ኣለላ፣ ኣንፆኪያን ከባቢኡን፥ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ይኹን ፌዴራል ድሕንነት ዜጋታት ናይ ምሕላው ግድነት ብቐዳምነት ክዋፅኡ ኣለዎም ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.