Fana: At a Speed of Life!

መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ መርሃ ግብሪ ምፍላጥ ይሳለጥ ኣሎ።

ካብ ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ዝርከብ ኣታዊ ኣብ ዞባ ባሌ ንዝርከብ “ሶፍ ዑመር ዋሻ” ዝኸውን መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልለ ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባገዳታት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ዲፕሎማታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

እቲ ብቛንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን እንግሊዘኛን ዝተሰናድአ መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ”፥ ምስ ስነ ሓሳብ ምድማር ተዛሚዱ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተፅሓፈ መበል ሳልሳይ መፅሓፍ ኢዩ።

ብገመቺስ ታሪኩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.