Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ጥዕና “ኢላንጋ” ምስ ዝተብሃለ ኣገልግሎት ገባሪ ሰናይ ስዊዘርላንድ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና “ኢላንጋ” ምስ ዝተብሃለ ኣገልግሎት ገባሪ ሰናይ ስዊዘርላንድ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ኣገልግሎታት ጥዕና ብናውቲ ሕክምናን ንምሕጋዝ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

“ኢላንጋ” ምስ ዝተብሃለ ኣገልግሎት ገባሪ ሰናይ ስዊዘርላንድ÷ ብኲናትን ጎንፂን ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና ዘድልዮም ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ብምግባር ናብ ኣገልግሎት ንምእታውን ተስፋ ደቂ ሰባት ንምምላስ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ማሕራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ፕሬዚዳንት ኢላንጋ ኣን ማሪ ጌትስን ገባሪ ሰናይ ጉጅለኦምን ንዝገበሩዎ ሓገዝ ኣመስጊነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.