Fana: At a Speed of Life!

ማሕበር ኣክሲዮን ኦሮ-ፍሬሽ ፍርይት ኣትክልቲን ፍረ ምረን ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምቕራብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበር ኣክሲዮን ንግዲ ኣትክልቲን ፍረምረን ኦሮ-ፍሬሽ ፍርይት ኣትክልቲን ፍረ ምረን ሎሚ መዓልቲ ንነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብተመጣጣኒ ዋጋ ምቕራብ ጀሚሩ።

እቲ ማሕበር ኣክሲዮን፥ ኣፍረይቲ ቀጥታ ምስ ዓደግቲ ንምርኻብ ፍርያታት ኣትክልቲን ፍረምረን ናብ ዕዳጋ ኣዲስ ኣበባ ከምዘቕርብ ገሊፁ ምንባሩ ይዝከር።

ሎሚ መዓልቲ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሳር ቤት መርሃ ግብሪ ምጅማር ምሻጥ ፍረምረን ኣትክልቲን ተኻይዱ።

ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ኣፍረይቲ ብቐሊሉ ፍርያት ኣትክልቲን ፍረምረን ብቐጥታ ንዓደግቲ ንምብፃሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ፥ ርእሰ ምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ዓደግቲን ከምዝተረኸቡ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.