Fana: At a Speed of Life!

ምስ ሓይሊ ዕጡቕ ጁንታ ብምስላፍ እንትዋግኡን እንተዋግኡን ዝነበሩ 18 ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ሓይሊ ዕጡቕ ጁንታ ብምስላፍ ካብ መቐለ ክሳብ ቆላ ተምቤን እንትዋግኡን እንተዋግኡን ዝነበሩ 18 ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትርኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጀኔራል መሓመድ ተሰማ፥18 ላዕለዎት መኮንናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ሰራዊት ክክልኻልን ትካላር ፀፅታ ፌዴራልን ንሓባር ብምዃን ብዝገበርዎ ዳህሳስን ተፍትሽን ኢዩ ኢሎም።

ካብቶም 18 ላዕለዎት መኮንናት እቶም 9 ሙሉእ መዓርግ ኮሎኔል፣ 7 ሌተናል ኮሎኔል ማዕረግ ዘለዎም 2 ድማ  ናይ  ፖሊስ ኮማንደራት ምዃኖም ገሊፆም።

ሜጀር ጄኔራል መሃመድ፥ ገበነኛታት ናይ ምህዳን ተግባር ተጠናኺሩ ቀፂሉ ኢዩ ኢሎም ።

ህዝቢ ንሓይሊታት ፀፅታ ዝገብሮ ምትሕብባር እውን ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.