Fana: At a Speed of Life!

ምስ ሽዱሽተ ደቁ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወሰደ ወላዲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ቦረና ኣብ ወረዳ ምዕራብ ወላቡ ዝነብር ሸኽ ዓብዱረዛቕ ሓጂ ከድር ምስ ሽዱሽተ ኣባላት ስድራኡ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዱ።

ሸኽ ዓብዱረዛቕ ንግዜኢ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ÷ ምስ ሽዱሽተ ደቁ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደ-ወላቡ ፈተና 12 ክፍሊ ከም ዝወሰዱ ገሊፁ።

ወዲ 43 ዓመት ሸኽ ዓብዱራዛቕ÷ ካብ ክልተ ኣንስቲ 18 ቈልዑ ወሊዱ።

“ካብ ቀዳመይቲ በዓልቲ ቤተይ 11፤ ካብ ካልኣይቲ በዓልቲ ቤተይ ድማ 7 ቈልዑ ኣለውኒ” ይብል።

ሸኽ ዓብዱራዛቕ ኣብ 1999 10ይ ክፍሊ ዛዚሙ ነይሩ።

ይዅን እምበር ናብርኡ ምስ ጐደለ÷ ሂወት ንምቅላስ ትምህርቱ ኣቛሪፁ ተወሳኺ ኣታዊ ከናዲ ጀሚሩ ኢዩ።

“ኣነ እናሰራሕኹ ደቀይ ይመሃሩ ነይሮም፤ ብዙሕ ሃብቲ ስለ ዘይነበረኒ ደቀይ ንኸምህር እየ ትምህርቲ ኣቋሪፀ፤ ዝተፈላለየ ነገራት እየ ዝሰርሕ ፤ እነግድ፣ እሓርስ ነይረ፤ ካልእ ነገራት እውን እሰርሕ ነይረ” ይብል።

ሸኽ ዓብዱረዛቕ 15 ደቁ ከምህር እንተሎ÷ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ግን ንኣሽቱ ስለዝዀኑ ዕድመኦም ገና ንትምህርቲ ኣይኣኸለን።

ድሕሪ 13 ዓመት ኣብ 2012 ናብ 11 ክፍሊ ዝኣተወ ሸኽ ዓብዱራዛቅ÷ ኣብ 2013 ትምህርቱ ወዲኡ መዛዘሚ ፈተና ወሲዱ ግን መሕለፊ ነጥቢ ኣይረኸበን።

ከም ውፅኢቱ ድማ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 2014 ምስቶም 12 ክፍሊ ዝወድኡ ክልተ ደቁ ፈተና ወሲዱ።

ንሱ ይዅን ክልተ ደቁ ግን ናብ ላዕለዋይ ትካል ትምህርቲ ክኣትዉ ዘኽእሎም ነጥቢ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

መሊሱ ድማ ኣብ 2015 ብውልቂ ከፊሉ ፈተና ወሲዱ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ካልኦት ኣርባዕተ ደቁ ኣብ 12 ክፍሊ ከም ስሩዕ ዝመሃሩ ዝነበሩ፤ ከምኡ እውን ኣቦን ክልተ ደቆምን ከም ናይ ብሕቲ ተፈተንቲ ኰይኖም ንሃገራዊ ፈተና ተዳልዮም፤ ቍፅሪ ተፈተንቲ ካብ ሓንቲ ስድራቤት ሸውዓተ በፂሑ።

ካብቶም ሎሚ ዓመት ንፈተና ዝኣተዉ ደቂ ሸኽ ዓብዱረዛቕ÷ በዅሪ ውላዱ ጓል 22 ዓመት ከምዝኾነትን ምንኣስ ሓዋ ድማ ወዲ 19 ዓመት ከምዝኾነን ተገሊፁ።

ተፈታኒ ማሕበራዊ ሳይንስ ዝዀነ ሸኽ ዓብዱረዛቕ÷ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መደ ወላቡ መዛዘሚ ፈተና ድሕሪ ምውሳዱ ምስ ኣርባዕተ ደቁ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ።

ካልኦት ክልተ ደቁ ድማ ኣብዚ እዋን ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ተፈቲኖም።

እቲ ወዲ 43 ዓመት ኣቦ÷ ፅቡቕ ውፅኢት እንተረኺቡ መምህር ታሪኽን ቋንቋ ኣፋን ኦሮሞን ክኸውን ከምዝደሊ ተዛሪቡ።

ይዅን እምበር ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንደቁ ቀዳምነት ከም ዝህብ ምግላፁ ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.