Fana: At a Speed of Life!

ሩሲያን ቻይናን “ፅቡቕ ጉርብትና ዘለወን ዝተኣማመና መሓዙትን ኢየን” – ሺ ጂንፒንግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ቻይናን “ፅቡቕ ጉርብትና ዘለወንን ዝተኣማመና መሓዙትን ኢየን” ክብሉ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ገሊፆም።

ሺ ጂንፒንግ እዚ ዝበሉ፥ ናብ ሩሲያ ዑደት ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዝኾነ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እቶም ፕሬዚዳንት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣብ ሞስኮ በፂሖም።

ፕሬዚዳንት ሺ ኣቀባብላ ምስተገበረሎም ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ኲናት ሩሲያ ዩክሬን ካብ ዝጅመር ንደሓር ናብ ሩሲያ ዝገበሩዎ ፈላማይ ዑደት ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ዑደት ክልተኣዊ ርክብ ሩሲያን ቻይናን ሓዱሽ ምንቕቓሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ጥዑይን ዝተረጋገዐን ርክብ ቀፃሊ ርክብ ቻይናን ሩሲያን ንኽድንፍዕ፥ ዑደቶም ዕዉት ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.