Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልኡላውነትን ሓድነተን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ- ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ልኡላውነትን ሓድነተን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ተጠንቀቕ ይርከብ ክብሉ ኢታማዦር ሹም  ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣፍሊጦም።

መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ መበል 22 ክፍለ ሰራዊት እዚ ምዕራብ ተኻይዱ።

እቲ ሰራዊት ምልክት ዓወት ኢዩ ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፥ ሐዚ እውን ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ኣዛዚ እቲ ከፍለ ሰራዊት ብርጋዴር ጀኔራል ሰይፈ ኢንጌ ክፍሉ ብግደኦም፥ ኣብ ከባቢታት ቤንሻጉል ጉሙዝን ኦሮሚያን ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለን ዝተጠናኸረ ስጉምቲ ብምውሳድ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክፍለ ሳረዊት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ንዝነበሮም ኣባላት ሰራዊት ሸልማት ሜዳሊያ ተዋሂቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.