Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትማሊ ካብ ዝነበረሉ ብብዙሕ ዕፅፊ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትማሊ ካብ ዝነበረሉ ብብዙሕ ዕፅፊ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣሎ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀዳማይ ዙር ስነስርዓት ምረቓ ዋር ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ተረኺቦም፡፡

እቲ ኮሌጅ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓወዲ ዝተዋፈሩ 38 ሰብ ሞያ ኣሰልጢኑ ሎመዓንቲ ኣመሪቁ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ እዋን ስነ ስርዓት እቶም ምሩቃት ፍልጠት ከየቋረፁ ምድላይን ንካልኦት እውን ምክፋል ንክቅፅሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይ ሎሚ ምሩቓት ንፅባሕ ፍልጠት ምድላይ ክዳለዉ ይግባእ፤ ፍልጠት ብዘይምቁራፅ ንክትደሊዩ፣ ዝረኸብክምዎ ፍልጠት ንኽተካፍሉ ሓደራ አብል ኢሎም።

ነቶም ምሩቐት እውን ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ትማሊ ካብ ዝነበረሉ ብብዙሕ ዕፅፊ ኣብ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥እቲ ሰራዊት ሐዚ ዘለዎ ቅዋም ፀላእቲ ኢትዮጵያ ኣይኮነን ክስዕርዎ ክፍትንዎ እውን ዘተሓሳስቦም ኢዩ ኢሎም።

ብኹለ መዳይ ገዘፍቲ ዓቕምታት ይሃንፅ ከምዘሎ ገሊፆም።

ቀዳማይ ልኡኽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምቕፃል ኢዩ፤ ኢትዮጵያ ንቕድሚት ንምቕፃል ድማ ንገዛእ ርእሱ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

ላዕለዋይ ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሀኑ ጁላ ብግደኦም፥ እቲ ኮሌጅ ብቑዓት ዝኾኑ ኣመራርሓ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ናይ ምብቃዕ ጅማርኡ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ስትራቴጂካዊ ጉዳያትን ድሕንነትን  ሃገራዊን ትካላዊን ረብሓ ዘለዎም መፅናዕቲታትን ምርምራትን ብምግባር ሰፊሕ ፕሮጀክት ተቐሪፁ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብቲ ስልጣና ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ላዕለዎት ወታደራዊ ኣመራርሓን መኮንናትን ጎረባብቲ ሃገራት ተመሪቖም።

ብኣላዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.