Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንኽፀንዕ ዝተገበረ ህዝቢ ትግራይ ዳግም እዋን ፅምዋ ረኺቡ ትኽክለኛ መንነት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንኽግንዘብ ኢዩ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ንኽፀንዕ ዝተገበረ ህዝቢ ትግራይ ዳግም እዋን ፅምዋ ረኺቡ ትኽክለኛ መንነት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንኽግንዘብ ከምዝኾነ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ህዝቢ ትግራይ ደቂ ንተወሳኺ ኲናት ከእትዎም ከምዘይግባእ መንግስቲ የተሓሳስብ ኢሎም።

በቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ተወሪሮም ዝነበሩ ዕንወት ኣብ ዝበፅሖም ከባቢታት እውን ዜጋታት ንምጥያሽ ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እቶም ሚኒስትር ከምዝበሉዎ፥ ህዝቢ ትግራይ ነዚ ዕድል ክጥቀመሉን ምንም ዘየትረፈሉ ኲናት ክኹንኖ ከምዝግባእን ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ከምዘለዉዎ ይፍለጥ ዝበሉ እቶም ሚኒትር፥ መንግስቲ እዞም ፀጋማት ንምፍታሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እዚ ንኽኸውን ድሌት ኲናት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህዝቢ ክቃወሞ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ንፃምእ ስልጣን እቲ ጉጅለ ክብል ደቁ ምውድኡ ካብ ምቅዋም ሓሊፉ ብተግባር ንኽቃለስ እውን ተሓሳሲቦም።

ብበርናባስ ተስፋዬ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.