Fana: At a Speed of Life!

ሰባት ኣብ ዝእከቡሉ ከባቢ ርሕቐት ምሕላው ዘለዎ ረብሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሰብ ሞያ ሕክምና ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኢድ ምሕፃብ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ምውሳድ ኣድላዪ ምዃኑ ይምዕዱ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ድማ ሰባት ኣብዝበዝሑሉ ከባቢ ረሕቐት ሓሊኻ ምንቅስቓስ ከምዝግባእ ኢዮም ዝምዕዱ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ካብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብ1 ነጥቢ 8 ሜትሮ ምርሓቕ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ ርሕቐት ሓሊኻ ምንቅስቓስ ድማ፥ ዝርገሐ ናይቲ ቫይረስ ንምቕናስን ሓገዝ ዓለም ለኸ ስርዓት ጥዕና ንዝደልዩ ተወሳኺ ግዘ ንመሃብን ኢዩ ተባሂሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከባቢ ፋርማሲታት ብዙሓት ሰባት ብዝተፀቓቐጠ ኩነታት ታራ ሒዞም ተራኢዮም ኢዮም።

ዝርገሐ ናይቲ ሕማም ንምንካይን በቲ ቫይረስ ንዘይምልካፍን ድማ ኣብ ጥቓና ምስ ዘሎ ሰብ ክህልወና ዝግበኦ ርሕቐት ተግባራ ምግባር ከምዝግባእ እቶም ሰብ ሞያታት ሕክምና ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ከም መሸጢ ባኒን ካልኦት ትካላት መውሀቢ ግልጋሎትን ከምኡ እውን ኣብ ታክሲን ኣውቶብስን ፌርማታታት ኣብ ዝህልወና ምንቅስቓስ ግቡእ ርሕቐት ክንሕሉ ከምዝግአና ኢዮም ዝምዕዱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.