Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ እናተሰርሐ ምዃኑ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣክልሉ ታደሰ÷ ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተረክሂን ተዛቲዮም፡፡

ኣቶ ኣክሊሉ ታደሰ ኣብ ዘተኦም÷ ኢትዮጵያን ሩሲያን ንዘለወን ምሕዝነት ዝምጥን ርክብ ኢንቨስትመንት ንኽህልወን ምስራሕ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡፡

ነዚ ድማ ትካሎም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉው ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተረክሂን ብግደኦም÷ ኤምባሲኦም ሓደሽቲ ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ኣውቶምቢል ኣሴምብሊን ካልኦት ዘፈራት ማኑፋክቸሪንግን ኣብ ውሽጢ ፓርክታት ኢንዱስትሪ መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ብስፍሓት እናሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋን ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳን ንምእታው ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ሰብ ሃፍቲ ከምዘለዉ ፀሪሖም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.