Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ስርዓት ምምሕዳር ገበንን ክቕፅል ኢዩ – ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምክልኻል ካብ ዝግበር ፃዕሪ ብተወሳኺ ስሩዕ ስራሕቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ስርዓት ምምሕዳር ገበንን ከምዝቕፅል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢን ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ዝናቡ ቱኑ፥ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና (ኮቪድ-19) ንምክልኻል ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ብዝምልከትን ኣብ እዋናዊ ጉዳይን ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል መንግስቲ ዘቐመጦ ኣንፈት ዝኽተል ምዃኑ ኣብ ምግለፂኦም ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር እቲ ትካል ምስ ካልኦትማርግቲ ኣካላት ብፍላይ ድማ ምስ ፖሊስን ኣቢያተ ፍርዲን ተዋዲዱ ዝሰርሕ ብምዃኑን ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራልካብ 10 ክሳብ 24 መጋቢት 2012 ዓ.ም ብኽፋል ተዓፂዮም ከምዝፀንሑ ዝተውሃበ ውሳነ ኣብ ግምት ብምእታውን ዝተፈላለዩ ውሳነታት ከምዝተቐመጡ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ልዕልነት ሕጊን ስርዓት ምሕላው ምምሕዳር ገበንን ብዝምልከት ቅድሚ ሕዚ እናሰርሖም ዝነበረ ስሩዕ ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕል ተዛሪቦም።

ስራሕቲ ምርመራ፣ ሓበሬታን ምፅራይ መዝገብ ተጠርጠርቲን ተጠናኺሮም ዝክቕፅሉ ኢዮም።

ብተወሳኺ ዓበይቲ ሃገራዊ ገበናት ናይ ምልኻል ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቶም ዳይሬክተር ኣብ መግለፂኦም ኣፍሊጦም።

ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ድማ ኣብ መፅንሒ ተጠርጠርቲ (ጣቢያታት ፖሊስ) ኣብ ዝግበር መዓልታዊ ርክብ ከምኡ እውን ንተጠርጠርቲ ዘዘራርቡ ዓቀብቲ ሕጊ ብጥንቃቐን እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝተቐመጡ መምርሒታትን መሰረት ብምግባር ከምዝፍፀም እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.