Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ትግራይ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ጥሪ ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስሩዕ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ትግራይ ካብ 2 ለካቲት 2012 ዓ.ም ከምዝጅምር ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ስሩዕ ነፃ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር መድረኽ ምንቕናቕ እናተሳለጠ ምፅንሑ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ኣብዚ ዓመት ብብርኪ ክልል ልዕሊ 100 ሺሕ ሄክታር መሬት ብዕቀባ ሓመድን ማይን ንምሽፋን ከምዝተተለመ ዝገለፀ ቢሮ፥ እቲ 28 ሚኢታዊ ብዝተፈላለዩ ፕጀክቲታትን ከምዝውገንን እቲ ዝተረፈ 72 ሚኢታዊ ድማ ብናይ 20 መዓልቲ ስሩዕ ናፃ ወፍሪ ዕቀባ ከምዝዕመም ኣፍሊጡ።

70 ሚኢታዊ ገፀ-መሬት ትግራይ ጎቦታትን ፀዳፋ ቦታታትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ዝሓበረ ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ፥ ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ንብዙሓት ዓመታት ማእከል ዓውደ ኩናት ኮይኑ ምፅንሑ ንዝለዓለ ምጉሕጓሕ መሬት ተቓሊዑ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

እዚ ስለዝኾነ ድማ፥ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ናይ ሞትን ሕውየትን ምርጫ ተጌሩ ንልዕሊ 30 ዓመታት ንህዝቢ ብምልዕዓል ብምስላጡ ኣብ ተፈጥሮ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲ ርኡይ ለውጢ ክመፅእ ክኢሉ እዩ ኢሉ፡፡

ኩሉ ሕብረተሰብ ኣካል ናይቲ ወፍሪ ክኸውን ይግባእ ክብል ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.