Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ግርማ የሺጥላ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣይተ ግርማ የሺጥላ ኣብ ትውልዲ ቦተኦምዞባ  ሰሜን ሸዋ ከተማ መሃል ሜዳ ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ÷ ስድራ፣ ዘመድ ኣዝማድ፣ መሳርሕቲ ኣይተ ግርማ የሺጥላ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም፡፡

ኣስከሬን ኣይተ ግርማ የሺጥላ÷ ስድራ፣ ዘመድ ኣዝማድ፣ መሳርሕቲ ኣይተ ግርማ የሺጥላ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ምፍናው ተገይሩሎም ኢዩ፡፡

ኣይተ ግርማ የሺጥላ ካብ መስከረም 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ህይወቶም ክሳብ ዝሰኣኑላ 19 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈርቤት ፅሕፈት ክልል ኣምሓራን ብምዃን ኣገልጊሎም።

ኣይተ ግርማ የሺጥላ÷ ካብ እነኦም ወ/ሮ ዘውዴ ስመኝን ካብ ኣቦኦም ኣይተ የሺጥላ ወ/ፃዲቕን ኣብ ናይ ቀደም ክፍለ ሃገር ሸዋን ኣውራጃ መንዝን ግሼን ወረዳ ጌራ ምድርን ከተማ መሃል ሜዳ ብ1967 ዓ.ም ኢዮም ተወሊዶም፡፡

በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ነይሮም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.