Fana: At a Speed of Life!

ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ኦክስጅን ምፍራይ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ኮሌጅ ሳይንስ ጥዕና ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ብናይ ባዕሉ ውሽጣዊ ዓቕሚ ኦክስጅን ምፍራይ ጀሚሩ።

ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ ትማሊ ዕለት ጥራሕ 62 ኦክስጅን ምፍራይ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሆስፒታል ኣብ ቀፃሊ ድማ ዓቕሚ ምፍራይ ብምጥንኻር ጠለብ ኦክስጂን ሙሉእ ብሙሉእ ባዕሉ ንምሽፋን ከምዝሰርሕ ተሓቢሩ፡፡

ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ኣብ መዓልቲ ካብ 120 ክሳብ 150 ኦክስጅን ከምዘድልዮ እውን ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.