Fana: At a Speed of Life!

ሸሊኹ ንምእታው ዝፈተነ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ዳግም ልዑል ክሳራ ተጎልቢቡ ናብ ዝመፅኦ ተመሊሱ – ሜጀር ጀኔራል ተስፋዬ ኣያሌው

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ኢትዮጵያ ሸሊኹ ንምእታው ዝፈተነ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ብሓይሊ ፀፅታ ብዝተወሰዶ ስጉምቲ ዳግም ልዑል ክሳራ ተጎልቢቡ ናብ ዝመፅኦ ከምዝተመለሰ ሓላፊ ሓይሊ ምውፋርን ኣተሓባባሪ ጊዜያዊ ኮማንድ ፖስት ፀፅታን ሜጀር ጀኔራል ተስፋዬ ኣያሌው ገሊፆም።

ሜጀር ጀኔራል ተስፋዬ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁ፥ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ምስ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ብምውዳድብዝተወሰደ ስጉምቲ ኢቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኢትዮጵያ ንምጥቃዕ ዘሰናደኦም ዴፖታት ዕጥቂን ስንቂን ምዕናው ተኻኢሉ፡፡

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ሎሚ ለይቲ ዝተበታተነ ሓይሊ ብምትእኽኻብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ዝዋሰናሉ ከባቢ ናብ ውሽጢ ሃገር ሸሊኹ ብምእታው መጥቃዕቲ ንምፍፃም ከምዝፈተነ እቶም ሜጀር ጄነራል ተዛሪቦም፡፡

ይኹን እምበር ሓይሊ ፀፅታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኢቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዳግም ልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራታት ተጎልቢቡ ናብ ዝመፅ ከምዝተመለሰ ኣብሪሆም።

ክሳበር ሕዚ ብዘሎ ሓበሬታ ልዕሊ 150 ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝተደምሰሱን ንኣጥፊእኻ ምጥፋእ ዘዳለዎን ተሸከርከርቲ ከምዝዓነዋን ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ከምዝተማረኹን እውን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.