Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣልያን ጆርጂያ ሜሎኒ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣልያን ጆርጂያ ሜሎኒ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ትኹረት ገይሮም ከምዝተመያየጡ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጆርጂያ ሜሎኒን ሓገዝ ገንዘብ 180 ሚሊየን ዩሮ ዝሓዘ ማዕቐፍ ምትሕብባር ኢትጵያን ጣሊያንን 2023-2025 ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዐነት ፋይናንስ ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ብፍላይ ኣብ ሕርሻን ዓውዲታት ኢንዱስትሪን ከምኡ እውብ ኣብ ቀረብ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ጥዕናን ትምህርቲን ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ተግባራት ከምዝውዕል ተገሊፁ፡፡

እቲ ስምምዕነት ንፕሮግራም መመሓየሺ ሃገር በቀል ኢኮኖሚን ንቀፃልነት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ክልቲኦም ቀዳማይ ሚኒስትራት ምትሕብባሮም ብዝበለፀ ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ብምግላፅ ብሓባር ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣኼበኦም ምዝዛሞም ተመልኪቱ፡፡

#Ethiopia

Office of the Prime Minister-Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.