Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ንዝገብሩዎ ዑደት እናተገበረ ዝርከብ ምድላው ብዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ 5 ክሳብ 7 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ንዝገብሩዎ ዑደት እናተገበረ ዝርከብ ምድላው ብዝምልከት ዘተ ተሳሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ካብ ድሕሪ ፅባሕ ጀሚሮም ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ ዑደት ክገብሩ ኢዮም።

ብፍላይ ኣብ ዝቕፅል ዓርቢ 6 ለካቲት 2012 ዓ.ም ኣብ ከተማ ዱባይ ስታዲያም ኣልመክቱም ተረኺቦም፥ ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕን ንዝነብሩ እትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መልእኽቲ ከመሓላልፉ ኢዮም።

እቲ ምድላው ንምትሕብባር ድማ ካብ ውዳበታት ሕብረተሰብ፣ ኣቦታት ሃይማኖትን ምሕበራት ልምዓትን ዝተውፃእፅአት ዓባይ ኮሚቴ ተጣይሻ እናሰርሐት ትይርከብ።

ኣብ ሸውዓቲአን ግዝኣታት እታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንኽራኸቡን ኣቀባብላ ክገብሩሎምን ንምግባር እናተሰርሑ ብዛዕባ ዝርከቡ ምንቅስቓሳት፣ ከይዲ ስራሕቲ እንግዶትን ሎጂስቲክስን ብዝምልከት ዋና ዳይሬክተር ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሰላማዊት ዳዊትን ኣካቢ ናይታ ዓባይ ኮሚቴ ኣምባሳደር ሱለይማን ደደፎን ኣብ ዝተረኸቡሉ ምይይጥ ምክያዱ ካብ ቆንስላ ኢትዮጵያ ኣብ ዱባይን ሰሜን ኢሚሬታትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እተን ኣብቶቡሳት ጠጠው ዝብላሉን መተሓባበረቲ ዝርከቡሉን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ቀፃሊ ንሕበረተሰብ ከምዝግለፅ እውን ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ምስቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንምርኻብ ካብተን ግዝኣታት ናብቲ ምድላው ዝካየደሉ ቦታ ንዝመፅኡ ዜጋታት ካብ ማእኸላይ ቦታ እተን ግዝኣታት ናፃ ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣውቶቡስ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

እተን ኣብቶቡሳት ጠጠው ዝብላሉ ቦታን መተሓባበርቲ ዝርከቡሉን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ቀፃሊ ንሕበረተሰብ ከምዝግለፅ እውን ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.