Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና ዝወፅአትሉ ሰላማዊ መረፃ ንኽዕወት ዝገበሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና ዝወፅአትሉ ሰላማዊ መረፃ ንኽዕወት ንዝገበሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፥ “6ይ ሃገራዊ መረፃ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሎሚ መዓልቲ ምስ ሓለፍቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተራኺበ ኢትዮጵያ ተዓዋቲት ኮይና ዝወፅአትሉ ሰላማዊ መረፃ ንኽዕወት ዝገበሩ ፓርቲታት ፖለቲካ ምስጋናይ ኣቕሪበ” ኢሎም፡፡

ኣም ጅማሮ ዝርከብ ዴሞክራሲ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኣብ ከይዲ መረፃ ዝተርኣዩ ፀገማትን ክፍተታትን ብምግምጋም እንታይ እንታይ ትምህርቲ ከምዝተወሰዶም ከምዝተዛተዩ እውን ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.