Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዝተገበረ ፈተነ ቕትለት ኮኒኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ዝተገበረ ፈተነ ቕትለት ኮኒኖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ህዝቢ ሱዳን ሰላሙ ንምሕላው ልዑል ዋጋ ብምኽፋል ዝነኣድ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብ ማሕበራዊ ፌስ ቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ከምዚ ዓይነት ተጓንፎታት ምርግጋእን ጉዕዞ ለውጢን ሱዳን ከተዓናቕፉ ኣይግባእን ብምባል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣገንዚቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሃምዶክ፥ ካብ ዝተገበረሎም ፈተነ መቕተልቲ ምትራፎም ይፍለጥ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ ሕዚ እዋን ድሕንነቱ ኣብ ዝተሓለወ ቦታ ከምዝርከቡ ቴሌቪዥን ጣቢያ መንግስቲ እታ ሃገር ፀብፂቡ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.