Fana: At a Speed of Life!

በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ብቫይረስ ኮሮና ተታሒዘን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ሶፊ ግሪጎሪ ብቫይረስ ኮሮና  ከም ዝተትሓዛ ተገሊፁ።

ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር እታ ሃገር ዝወፅአ መግለፂ ከምዝሕብሮ፥ እተን በዓልቲ ቤት ቀዳማይ ሚኒስትር ንግዝኡ ንብሕተን ተፈልየን ክፀንሓ እየን።

“ዝተኣዘዘለን ቅድመ ጥንቃቐ ይወስዳ ብምህላወን ድማ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ይርከባ። እቶም ምክልታት’ውን ነክዮም’ዮም” ክብል እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።

እቲ መግለፂ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ቱሩዶ ዝኾነ ዓይነት ምልክታት እቲ ሕማም ከም ዘይብሎም ኣረዲኡ።

ይኹን እምበር ን14 መዓልታት ንነብሶም ፈልዮም ክፀንሑ ኢዮም ተባሂሉ።

“ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ኣብ ስሩዕ ስርሖም ክህልዉ’ዮም፤ ሎሚ መዓልቲ ድማ ንኣባላት ካቢኔ መግለፂ ክህቡ’ዮም” ይብል እቲ መግለፂ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኦታዋ ዝነበሮም ኣኼባ ተሰሪዙ ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ሓሙሽተ ኣባላት ፓርቲ ሪፐብሊካንን ሓደ ኣባል ካቢኔ ሚኒስትር ካናዳን በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ካናዳ ክሳብ ሐዚ ኣስታት 103 ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።

ካናዳ፥ ብሮቡዕ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ዝተኣወጀ ቫይረስ ንምክልኻል 728 ሚልየን ዶላር በጀት ከም ዘዳለወት ኣፍሊጣ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.