Fana: At a Speed of Life!

በዓል መውሊድ እንትኽበር ሰናይ ስራሕቲ ነብዩ መሓመድ ብምትግባር ክኸውን ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መውሊድ እንትኽበር ሰናይ ስራሕቲን እዝነታትን ነብዩ መሓመድ (ሰዐወ) ብምትግባር ክኸውን ይግባእ ተገሊፁ።

መበል 1 ሺሕን 498 በዓል መውሊድ ነብዩ መሓመድ ኣብ ዓብዪ መስጊድ ኣንዋር ፅባሕ ከምዝኽበር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ አፍሊጡ፡፡

ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ኣብዱል ሃሚድ ኣሕመድ ከምዝበሉዎ÷ ህዝበ ሙሰሊም በዓል ልደት ነብዩ መሓመድ ዘኽብሮ ናቶም ስራሕቲ ሰናይ ተግባር ተግባራዊ ንምግባርነ ንቀፀልቲ ወለዶ ንምምሕልላፍን ኢዩ፡፡

ፅባሕ ዝኽበር በዓል መውሊድ ምኽንያት ብምግባር ስራሕቲ ቅደመ ምድላው ከምዝተሳለጡ ብምሕባር÷ ሎሚ መዓልቲ ድማ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ቦታ ናይ ምፅራይን ምስትኽኻልን ከምዝተወገነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.