Fana: At a Speed of Life!

በዓል ኢሬቻ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ቢሾፍቱን ብሚሊየን ዝቑፀሩ ተሳተፍቲ ዝተዓደሙሉ በዓል ኢሬቻ ሆረ-ፊንፊኔን ሆረ-ሃርሰዴ ብዘይ ዝኾነ ፀገም ፀፅታ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕነትን ካብ ድሮ እቲ በዓል ጀሚሩ ቅድመ ምድላው ብምግባር ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ቅድመ ምክልኻል ስራሕ ምስ ህዝቡ፣ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞን ምስ ኮሚቴ ኣሰናዳኢ እቲ በዓልን ተዋዲዱ ብምስርሑ፤ እቲ በዓል ኣብ ክልቲአን ከተማታት ብሰላማዊ ኮይኑ ከምዝዛዘመ ገሊፁ፡፡

ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን÷ እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበረ ህዝቢ፣ ሕብረት ኣባ ገዳታት ኦሮሞን መተሓባበሪ ኮሚቴታትን ከምኡ እውን ዝተውሃቦም ግቡእ ንዝተዋፅኡ ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ፀላእቲ ኢትዮጵያን ንሳቶም ዝመርሑዎም ግብረ ራዕዳውያንን ብዝረኸቡዎ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ድሕንነትና ሓደጋ ንምብፃሕ ስለዝፅዕሩ ሕብረተሰብ ነቒሑ ብምሕላው ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሃገርና ዝኽበሩ ካልኦት ህዝባዊን ሃይማኖታዊን በዓላት እውን እናርአዮ ዝርከብ ቅኑዕ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እቲ ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.