Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዳሜራ መስቀል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንትን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝተኸበረ በዓል ዳሜራ መስቀል ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንትን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ÷ ቅድመ ምድላው ብምግባር ተቓላዕቲ ቦታታትን ከባቢታትን ፈልዩ ኣብ ስራሕቲ ቅድመ ምክልኻል ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ኣዋፊሩ ምስ ህዝቢ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኮሚቴ ኣሰናዳእቲ እቲ በዓልን ተዋዲዱ ብምስርሑ እቲ በዓል ሰላማዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ገሊፁ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ÷ በዓል መስቀል ብሰላም ንኽዛዘም ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበረ ህዝቢ፣ ኣቦታት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፣ መተሓባበሪ ኮሚቴ እቲ በዓልን መናእሰይን ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ሓይሊታት ፀፅታን ድሕንነትን እውን ምስ ሕብረተሰብን ምስ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ እቲ በዓልን ብምውዳድ ዝተውሃቦም ግቡእ ብዝግባእ ስለዝተዋፅኡ እቲ ግብረ ሓይሊ ኣመስጊኑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.