Fana: At a Speed of Life!

በዓል ጥምቀትብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ዝተኸበረ በዓል ጥምቀት ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

በቢዓመቱ 11 ጥሪ ዝኽበር በዓል ጥምቀት፥ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዱ ብምስርሑ ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ብሰላም ተኸቢሩ ከምዝተዛዘመ ትማሊ ኣማሲዩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ገሊፁ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ፥ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ደብሪ፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን ምስ መተሓባበርቲ ኮሚቴ እቲ በዓል ብምውዳድ ብምስርሑ ብዘይዝኾነ ይኹን ፀገም ከምዝተዛዘመ ኢዩ ሓቢሩ ዘሎ፡፡

ንድምቀት እቲ በዓል መላህ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ብምብርካቱን ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ካብ ማእኸል ብዝወሃቦ ትእዛዝን ብግቡእ ብምስርሑ ከምኡ እው ስራሕቲ ፀፅታ ንምስላጥ ብልዑል ብርኪ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ናይ ምፍፃም ዓቕሞም ብልዑል ብርኪ ዝዓበየሉ ኩነታት ስለዝተፈጠረ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዓል ብስላም ንኽዛዘም ህዝበ ክርስቲያን፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ሓለፍቲ ኣድባራት፣ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ እውን እቲ በዓል ንምትሕብባር በቢብርኩ ዝተዋደዱ ኮሚቴታት ንዝገበሩዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ እቲ ግብረ ሓይሊ ልዑል ምስጋና ምቕራቡ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓብታ የረድእ፡፡

እቲ ዓቢዪ በዓል ብሰላም ንኽኽበር ሓላፍነቶም ብብቕዓት ንዝተዋፅኡ ኩሎም ኣባላት እቲ ግብረ ሓይሊ እውን ኣመስጊኑ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.