Fana: At a Speed of Life!

ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታትና መርኣያታት ሓድነትና ኢዮም-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባህላዊን ሃይማኖታዊን ክብሪታትና መርኣያታት ሓድነትና ኢዮም ክብል ኣገልገሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ከርስትና እንኳዕ ንበዓል መስቀልን ዳመራን ኣብፀሐኩም ኢሉ።

በዓል መስቀል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ብድሙቕ ስነ ሰርዓት ካብ ዝኽበሩ በዓላት ሓደ ኢዩ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ እቲ በዓል ካብ ሃይማኖታዊን ባህላዊት ፍፃምኡ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ካብ እትፍለጠሎም ዘይድህሰሱ ቅርስታት ሓደ ከምዝኾነ ገሊፁ።

በዓል መስቀል ኣብ ዩኔስኮ ብምምዝጋቡ ሃገርና ኣብ ዓለም ለኸዊ መድረኽ እትፍለጠሉ ሃፍትና ኮይኑ ኣሎ እውን ኢሉ።

ኣብ ኩሎም ከባቢታት ሃገርና ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘጠንከር ከምኡውን ናይ ምክእኣልን ሓድነትን በዓል ከምዝኾነ ሓቢሩ እቲ መግለፂ።

ስለዝኾነ በዓል መስቀለን ዳመራን ኢትዮጵያዊያን ብብዙሕ ባህላዊ ክብሪታት ዝተዛመዱ ምዃኖም ዓብዪ መርኣያ ኢዩ ክብል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.