Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንመግዝኢ ዘመናዊ ዱኽዒ ዝኸውን ልዕሊ 50 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዘበነ ፍሪያት 2014/15 ዝኸውን መግዝኢ ዘመናዊ ዱኽዒ ዝኸውን ልዕሊ 50 ቢሊየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፥ እቲ ባንኪ ብሰንኪ ሕፅረት ዘመናዊ ዱኽዒ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዝተትሓዘ ሃገራዊ ትልሚ ንከይተኣጓጎል ዓብዪ ስራሕ ሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።

ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ኣቕርቦትን ዋጋ ዘመናዊ ዱኽዒ ፅዕንቶ ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ቅድሚ ኲናት 700 ዶላር ዝሽየጥ ዝነበረ እቲ ዘመናዊ ዱኽዒ እቲ ኲናት ምስተጀመረ ብዕፅፊ ምውሳኹ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዋግኡ መስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ክሳብ ኣርባዕተ ዕፅፊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ኣብሪሆም።

ይኹን እንበር ካብዚ ንላዕሊ ዘጨንቕ ነገር ብዘይምህላዉ ንካልኦት ዓውዲታት ክውዕል ዝነበረ ገንዘብ ናብ ግብርና ንክዘውር ከምዝተገበረ ሓቢሮም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.